ንኢትዮጵያውያን ብሓባር ዘዛምድ ልዑል ተረኽ ንምህናፅ ፓርቲ ብልፅግና ብኣርኣያነት ክሰርሕ ኢዩ-ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንኢትዮጵያውያን ብሓባር ዘዛምድ ልዑል ተረኽ ንምህናፅ ፓርቲ ብልፅግና ብኣርኣያነት ክሰርሕ ኢዩ ክብሉ ምክትል ፕሬዚዳንት እቲ ፓርቲ ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም።

ኣይተ ኣደም፥ ኢትዮጵያውያን ብዝተሓባበረ ቅልፅም ንዘበናት ክብሪን ሉእላውነትን ሃገሮም ብምኽባር ምፅንሖም ኣዘኻኺሮም።

ይኹን እንበር ረብሓ ሃገርን ህዝብን ዘቐድም ዝሰልጠነ ስርዓት ፖለተኪ ዘይምህናፁ ገሊፆም።

ስለዝኾነ ኣብ ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ናይ ምስራሕ ባህሊ ንምምዕባልን ኣብ ዘፈላልዩ ዛዕባታት ጥዕና ዘለዎ ንሕንሕ ማሕበረሰብ ንምፍጣርን ድባብ ፖለቲካ ምምሕያሽ ግቡእ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ኢትዮጵያ ከም ዕዳ ኣብ መንጎ ዝቑፀሩ ፖለቲካዊ ጉዳያት ፍፁማዊ ሓድነትን ፍፁማዊ ኣፈላላይን ዝጠመተ ነፀላ ተረኽ ከም ኣብነት ገሊፆም።

ንኹሉ እትጥዕም ዝማዕበለት ኢትዮጵያ ንምህናፅን ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ህዝቢ ንምጥንኻርን ሓበራዊ ብሄራዊ ተረኽ ምህናፅ ግቡእ ብምዃኑ ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ ኣብሪሆም።

ብመሰረት እዚ ፓርቲ ብልፅግና ትማሊ ብኣግባቡ ብምግምጋም ንመፃኢ እዋን ዝኾኑ ጉዳያት ብዝበለፀ ክብ ንምባል ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment