ንናይ ሎሚ ዘበን ጉዕዞ ሓጂ ክሳብ ሐዚ ልዕሊ 10 ሺሕ ሁጃጃት ተመዝጊቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንናይ ሎሚ ዘበን ጉዕዞ ሓጂ ክሳብ ሐዚ ልዕሊ 10 ሺሕ ሁጃጃት ከምዝተመዝገቡ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስለምና ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

መበል 1 ሺሕን 445 ምዝገባ ጉዕዞ ሓጂ ካብ 27 ጥሪ 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ዝሳለጥ ዘሎ እንትኸውን፥ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ክዛዘም ኢዩ ተባሂሉ።

ሓላፊ ሓጅን ኡምራን እቲ ቤት ምኽሪ ሸኽ ዓብዱልኣዚዝ መሓመድ፥ ሎሚ ዘበን ዝካየድ ዘሎ መዝገባን ካልኦት ኣገልግሎታትን ብዝተቐላጠፈ መገዲ ይፍፀም ኣሎ ኢሎም።

ቅድም ኢሎም ዝነበሩ 18 ጣብያታት ምዝገባ ናብ 27 ከብ ከምዝበሉ ብምግላፅ፥ በቢከባቢኡ ኣገልግሎት ዝወሃበሉ ኣሰራርሓ ከምዝተፈጠረ ተዛሪቦም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment