ንናይ ሎሚ ዘበን ሓምለዋይ ኣሰር ዝኸውን ልዕሊ 6 ነጥቢ 3 ቢሊየን ፈልሲ ተዳሊዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ንናይ ሎሚ ዘበን ሓምለዋይ ኣሰር ዝኸውን ልዕሊ 6 ነጥቢ 3 ቢሊየን ፈልሲ ከምዝተዳለወ ሚኒስቴር ግብርና ኣፍሊጡ።

እቲ መርሃ ግብሪ ብምትግባሩ በቢዓመቱ ዘጋጥም ዝነበረ 92 ሺሕ ሄክታር መሬት ብርሰት ደኒ ናብ 32 ሺሕ ሄክታር ከምዘውረዶ ተገሊፁ።

ሚኒስትር ዴኤታ እቲ ሚኒስቴር ፕሮፌሰር እያሱ ኤልያስ፥ ሎሚ ዘበን ብደኒ፣ ፍራምረን ዓውዲታት ፈልሲ ንምትካል ትልሚ ተታሒዙ ኢሎም።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ልዕሊ 6 ነጥቢ 3 ቢሊየን ፈልሲ ከምዝተዳለወ ገሊፆም።

15 ሰነ 2014 ዓ.ም እቲ ሃገራዊ መርሃ ገብሪ ዝጅመረሉ ዕለት ኢዩ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ክትትል ክንክንን እቶም ፈልሲታት ይካየድ ኣሎ ኢሎም።

Comments (0)
Add Comment