ንናሽናል ሲሚንቶ ለሚ እታወት ዘጓዓዕዛ 36 ዘበናዊ ከበድቲ ናይ ፅዕነት ተሽከርከርቲ ኣብ ለሚ በፂሐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ፋብሪካ ንናሽናል ሲሚንቶ ለሚ ናብ ውሽጢ ሃገር እናእተዎም ካብ ሞንጎ ዝርከቡ 330 ገልበጥቲ ናይ ፅዕነት ተሽከርከርቲ እተን 36 ኣብ ሳይት ከምዝበፅሓ ተገሊፁ።

እተን ተሽከርከርቲ እታወት መዓድን ፍርያት ሲሚንቶ ካብ መፍረዪ ጣቢያ ናብ መኸዘኒ ቦታ ዘጓዓዕዛ ከምዝኾና ሓበሬታ እቲ ፋብሪካ ኣመልኪቱ፡፡

እቲ መዓድን ዝፈሪ ኣብ ሽንጥሮ ሩባ ጅማ ስለዝኾነን ኣቐማምጣ መሬት እቲ ቦታ ኣፀጋሚ ከምዝኾነ ብምርዳእን እዘን ዘበነዎት ተሽከርከርቲ ንምዕዳግ ልዑል ዋጋ ከምዝተኸፈለ እቲ ፋብሪካ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ መዓልቲ 150 ሺሕ ኩንታል ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ዘለዎ ፋብሪካ ንናሽናል ሲሚንቶ ለሚ 18 መስከረም 2017 ዓ.ም ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ተመሪቑ ስራሕ ከምዝጀመረ ይዝከር፡፡

Comments (0)
Add Comment