ንትካል ምርምርን መፅናዕቲን ኢትዮጵያ ታሪኻዊን ባህላዊን ሓድጊታት ተበርኪቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ንዝርከብ ንትካል ምርምርን መፅናዕቲን ኢትዮጵያ ናይ ቀዳማዊ ሃይለስላሴ ደብዳቤታት ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ታሪኻዊ፣ ባህላዊን ሓድጊታትን መዛግብቲን ተበርኪቱ።

እቶም ሓድጊታትን መዛግብቲን ዘበርከቱ ኣብ ውሽጢ ሃገር ወፃኢን ዝነብሩ ሰባት እንትኾኑ÷ እቲ ህያብ ንዳይሬክተርንቲ ትካል ታከለ መርእድ (ዶ/ር) ኣረኪቦምዎ።

ካብ ሞንጎ እቶም ሓድጊታት÷ ኣብ ሃገረ ጀርመን ካብ ዝርከቡ ስድራቤት ዝተበርከተ ልዕሊ 3 ሺሕ ፎቶግራፋት ዝሓዙ ሰለስተ ዘበን ተሳገርቲ ኣልበማት ፎቶ ይርከቡዎም።

ካብ ውሽጢ ሃገር ውልቀ ሰባት ዝተበርከቱ ድማ÷ ጥንታዊ መተዓዳደጊ ሳናቲም ሓዊሱ ልዕሊ 3 ሚኢቲ መፃፍቲ፣ ፎቶ ግራፋት፣ ፊልምታትን ካልኦት ሓድጊታትን ይርከቡዎም፡፡

ብሳሙኤል ወርቃየሁ

Comments (0)
Add Comment