ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መርሃ ግብሪ መጀመሪ ተኸላ ፈልሲ ብሄራዊ ሓምለዋይ ልምዓት ዓመተ 2013 ዝምልከት ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ተኻይዱ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣባላት ተፃወትቲ ኩዕሾ እግሪ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ፣ ኣትሌታት፣ ስፖርተኛታትን ኣርቲስታትን ዝተረኸቡ እንትኾኑ፥ ብዛዕባ እቲ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ገለፃ ተገይሩሎም፡፡
ሚኒስትር ሕርሻ ኣይተ ዑመር ሑሴን፥ እቲ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ካብ ዘርኢ፣ ፖለቲካን ሃይማኖትን ዝነፅሀ ስለዝኾነ ሓደ ዝገብር ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡
ኩሉ ሰብ ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ ብምብርካት ንቐፃሊ ወለዶ ሓምለወይቲ ዝኾነት ኢትዮጵያ ከረክቦም ከምዝግባእ ኣውን ኣገንዚቦም፡፡
ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኮማንደር ኣትሌት ደራርቱ ቱሉ ብግደአን፥ “ኩሉ ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ ንምውፋይ ድሉው ኢዩ” ኢለን፡፡
ብዘቢብ ተኽላይ
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…
ይግበሩ/ራ!