ንተጓዓዝቲ ዓድዋ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስነ ስርዓት ምፍናው ተገይሩሎም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ንተጓዓዝቲ ዓድዋ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስነ ሰርዓት ምፍናው ተገይሩሎም።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምፍናው ምክትል ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኢንጂነር ታከለ ኡማ ሓዊሱ ተጓዓዝቲ ዓድዋ፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ ኣባገዳታት፣ ሃርበኛታትን ካልኦት እንግዶት ዝተገበረሎም ኣካላትን ተሳቲፎም።

ኢንጂነር ታከለ ኡማ፥ “ብዛዕባ ዓድዋ እንትሓስብ ስምዒታዊ እኸውን፤ እቲ ስምዒት ድማ ኣቦታተይ ብምዕዋቶም ዝተፈጠረ ኢዩ” ኢሎም።

ኢትዮጵያውያን ኣቦታትን ኣዴታትን ካብ ጫፍ ክሳብ ጫፍ ብምብጋስ ነቲ ዝገጠሞም ፈተና ብጅግንነት ተዓዊቶም ኢዮም ዝበሉ እቶም ምክትል ከንቲባ፥ ሐዚ ናብ ዓድዋ ዝግብር ጉዕዞ ግን ሰላምን ሓድነትን ንምስባኽ ኢዩ ኢሎም።

“ነዚ እውን ኣብ ከይዲ ጉዕዞ ኣብ እትረግፅዋ ሕድ ሕድ መሬት ኢትዮጵያ ፍቕሪን ሓድነትን ስበኹ” ክብሉ ነቶም ተጓዓዝቲ ፃውዒት ኣቕሪቦምሎም።

ምምሕዳር እታ ከተማ፥ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝህነፅ ማእኸል ዓድዋ ማእኸል ኩሉ ኢትዮጵያዊ ንክኸውን ዓሊሙ ዘለዎ ሃፍቲ ብምእካብ ኣብ ዝሓፀረ እዋን እቲ ህንፀት ከምዝዛዝም እውን ቃል ኣቲዮም።

ናብ ዓድዋ ዝግበር ጉዕዞ ዓወት ዓድዋ ንምዝካር ዝሳለጥ እንትኸውን፥ ሎሚ ዘበን ንመበል ሻውዓይ ግዘ ዝካየድ ዘሎ ኢዩ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment