ንተምሳሌት ሰላም ዓበይቲ ዓዲ ጋሞ ዝዝክር ሲምፖዚየም ባህሊ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ንተምሳሌት ሰላም ዓበይቲ ዓዲ ጋሞ ዝዝክር ሲምፖዚየም ባህሊ ሎሚ መዓልቲ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ ሲምፖዚየም፥ “ተምሳሌት ሰላም ዓበይቲ ዓዲ ጋሞ ንህንፀት ሃገር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣዳራሽ ሚሊኒየም እናተሳለጠ ዝርከብ።

ማሕበር ልምዓት ጋሞ ጨንፈር ኣዲስ ኣበባ ዘሰናድኦ እቲ ሲምፖዚየም፥ ብርሑስ ሳዕሮም ንሓዊ ብምጥፋእ ፍቕሪ ዝሰብኩን ንዘመናት ዝዘልቕን ጥበብ ኣፈታትሓ ጎንፂ ዓበይቲ ዓዲ ጋሞ ክዝከር ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንፈለማ እዋን ኣብ ዝተዳለወ ሲምፖዚየም፥ ተወለድቲ ጋሞ፣ ፈተውቲን ደገፍቲን እቲ ልምዓት ሓዊሱ 30 ሺሕ ዝኾኑ ኣጋይሽ እናተሳተፉ ይርከቡ።

ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራል፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ክልልን ኣዲስ ኣበባን፣ መቐመጢኦም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝገበሩ ኣምባሳደራትን ዲፕሎማሰኛታትን ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ፍሉጣት ሰባትን ካልኦት ዕዱማት ኣጋይሽን እውን ተረኺቦም ኢዮም።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ፥ ምርኢት ባህላዊ ምግቢ ጋሞን ስራሕቲ ኪነ-ጥበብን ከምዝቐርቡ ካብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ዞባ ጋሞ ዝረኸብናዮ ሃበሬታ የረድእ።

Comments (0)
Add Comment