ንተመዛበልቲ ዝኸውን ልዕሊ 140 ሚሊየን ብር ሓገዝ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ንተመዛበልቲ ዝኸውን ልዕሊ 140 ሚሊየን ብር ሓገዝ ከምዝገበረ ኣፍሊጡ።

እቲ ሓገዝ ልዕሊ 150 ሺሕ ንዝኾኑ ወገናት ዝውዕል ከምዝኾነ እቲ ማሕበር ገሊፁ።

ሓላፊ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ዶክተር ሰለሞን ኣሊ፥ ብምኽንያት ጎንፂ ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ዜጋታት ሓገዝ ዝደልዩን ትኹረት ዝደልዩን ከምዝኾኑ ገሊፆም።

እቲ ማሕበር ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ብሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣዊን ፀገማት ንዘጋጠሞም ብፍላይ ኣብዛ ሃገር ምስ ዝተፈጠሩ ጎንፂታት ተተሓሒዦም ብዙሓት ሰብኣዊ ሓገዛት እናሳለጠ ከምዝፀንሐ ምሕባሮም ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ፀብፂቡ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment