ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክሌማዊ ለውጢ ዓለም ፅዕንቶ ብምዕራፍ ልዑል ብፅሒት ዝሕዛ ኣሜሪካን ቻይናን ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ጠሚተን ከምዝዝትያ ተገሊፁ፡፡
ልኡኽ ክሌማዊ ለውጢ ኣሜሪካ ጆን ኬሪ ምስ ቻይና መዘነኦም ዢ ዤንዋ ንምዝታይ ሎሚ ናብ ቻይና ከመዘምርሑ ኤ ኤፍ ፒ ፀብፂቡ፡፡
ክልቲአን ዓበይቲ፣ ብኢንዱስትሪ ዘማዕበላን ክሌማዊ ለውጢ ኣብ ምምፃእ ልዑል ብፅሒት ዝሕዝን ኣሜሪካን ቻይናን ቅድሚ ሕዚ ኣብ ጉዳይ ምውሳኽ ሙቐት ዓለም ጀሚረን ዘቋረፀኦ ልዝብ ከምብሓዱሽ ዕምቆት ሂበን ክጅምራ ኢየን ተባሂሉ።
ኣብ ዝሓፈ ዓመት ኣሜሪካን ቻይናን ኣብ ክሌማዊ ለውጢ ንምድርዳር ተቐሚጠን ከምዝነበራ ይዝከር፡፡
ይኹን እምበር ናይቲ እዋን ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ናንሲ ፔሎሲ ኣብ ታይዋን ዑደት ምግባረን ስዒቡ ንቻይና ስለዘቖጠዐ ኣብ ሞንጎ እተን ሃገራት እናተኻየደ ዝነበረ ድርድር ክሌማዊ ለውጢ ብዘይመዐለቢ ተቛሪፁ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com