ንበዓል ዝኾኑ ጠለብ ፍርያታት ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እናኣተዉ ከምዝኾኑ ምምሕዳር እታ ከተማ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝቕፅሉ በዓላት ምኽንያት ብምግባር ንበዓል ዝኾኑ ጠለብ ፍርያታት ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እናኣተዉ ከምዝኾኑ ምምሕዳር እታ ከተማ ገሊፁ።

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ÷ ዝቕፅል በዓል ምኽንያት ብምግባር ንበዓል ጠለብ ዝኾኑ ብዙሓት ፍርያታት ናብታ ከተማ እናኣተዉ ከምዝኾነ ኣብሪሀን፡፡

እቶም ፍርያታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዕዳጋ ሰንበትን ዱንኳናት ሕብረት ስራሕ ማሕበራትን ከምዝርከቡ ገሊፀን፡፡

ዕዳጋ ሰንበት ካብ ሰብነት ብተወሳኺ ክሳብ ሓዱሽ ዓመት ከምዝዘልቕ እውን ኣብሪሀን፡፡

ሕብረተሰብ ንባዕሉ ብዘይግቡእ ዋጋ ካብ ዝውስኹን ሽርሒ ኢኮኖሚ ካብ ዝፍፅሙን ኣካላት ክሕሉ ከምዝግባእን በቢከባቢኡ ኣብ ዝርከቡ ዕዳጋ ሰንበትን ድንኳናት ሕብረት ስራሕ ማሕበራትን ንኽዕድግ ፀዊዐን፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment