ንቀ/ሚን መላእ ኣመራርሓ ለውጢን ዝድግፍ ሰልፊ ኣብ ዞባ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኦሮሞ ከተማታት ከሚሴን ባቲን ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድን መላእ ኣመራርሓ ለውጢን ዝድግፍ ሰልፊ ኣብ ዞባ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኦሮሞ ከተማታት ከሚሴን ባቲን ይካየድ ኣሎ።

ዕላማ እቲ ሰልፊ ድማ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝመፅኡሉ እዋን ኣትሒዙ ንዘሃቡዎም ጥንኩራት ኣመራርሓታት ኣፍልጦ ንመሃብ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

እቶም ሰለፈኛታት ናይ ወፃኢን ናይ ደገን ሓይሊታት ንኹንንን፣ መደናገርቲ ዛዕባታት ብምፍሻል ዝተጀመረ ለውጢ ክንቅፅለሉ ኢና ዝብሉ ጭርሖታት ተመሓላሊፎም፡፡

ዓቢዩ ጉዕዞ ለውጢና ብመሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ዝብሉ ዕርሖታት ምስመዖም እውን ካብ ኮሙዩኒኬሽን ጉዳያት መንግስቲ ምምሕዳር ዞባ ብሄረሰብ ኦሮሞ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment