ንቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ፅባሕ ስነ-ስርዓት ኣቀባብላ ክግበረሎም ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 01 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ተሸላሚ ኖቤል ሰላም ንዝኾኑ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ፅባሕ ስነ-ስርዓት ኣቀባብላ ከምዝካየድ ተገሊፁ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ፥ ትማሊ ኣብ ኖርዌይ ኦስሎ ብዝተሳለጠ ስነ-ስርዓት ሽልማት ኖቤል ሰላም ዓመተ 2019 ተረኺቦም ሽልማቶም ምቕባሎም ይዝከር።

ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኢንጂነር ታከለ ኡማ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ ድማ፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ፅባሕ ካብ ኖርዌይ ኦስሎ እንትምለሱ ናይ ጅግና ኣቀባብላ ክግበረሎም ኢዩ።

እቲ ስነ-ስርዓት ኣቀባብላ፥ ፅባሕ ንጉሆ ሰዓት 12 ዝጅምር ኮይኑ ካብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ክሳብ ብሄራዊ ቤተ ምንግስቲ ከምዝካየድ እውን ኣፍሊጦም።

ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርን ቤት ፅሕፈት ከተማ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባን ዝተዳለወ ስነ-ስርዓት ኣቀባብላ ከምዝኾነ እቶም ምክትል ከንቲባ ገሊፆም።

ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ መናእሰይ፣ ማርሽ ባንድን ኣባላት ሰራዊት ምክልኻልን ነቲ ስነ-ስርዓት ኣቀባብላ ምድላው እናገበሩ ከምዝኾኑ እውን ተዛሪቦም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment