ንሼኽ ዓብዱ ያሲን ብምቕታል ዝተጠርጠረ መሓመድ ሽኩር አበባው ዝረኣየ ሓበሬታ ንክህብ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ንሼኽ ዓብዱ ያሲን ብምቕታል ዝተጠርጠረ መሓመድ ሽኩር አበባው ዝረኣየ ሓበሬታ ንክህብ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ሼኽ ዓብዱ ያሲን ካብ ዒሻን ሰላት እናተመለሱ እናሃለዉ ብዝተተኮሰሎም ጥይት ሀይወቶም ምሕላፉ ይዝከር።

እቲ ቅትለት ስዒቡ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ፈፃሚ እቲ ገበን ኣብ ቁፅፅር ንምውዓል ጉጅለ ክትትልን ምርመራን ብምውዳብ ክትትሉ ኣጠናኺሩ ምቕፃሉ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ዝተገበረ ክትትል መንበሪኡ ኣብ ክፍለ ከተማ ኮልፌ ቀራንዮ ወረዳ 14 ዝኾነን ሼክ ያሲን ዘዕበይዎን መሓመድ ሽኩር ኣበባው ንሼኽ ዓብዲ ያሲን ብምቅታል ገበን ተጠርጢሩ ይድለ ከምዘሎ ፖሊስ ገሊፁ።

ስለዝኾነ ፓሊስ ኣዲስ ኣበባ ንሼኽ ዓብዱ ያሲን ብምቕታል ዝተጠርጠረ መሓመድ ሽኩር አበባው ዝረኣየ ሓበሬታ ንክህብ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment