ንስርዓት ደርጊ ኣብ ምውጋድ ዝተኻየደ ብረታዊ ቃልሲ ግደ ህወሓት ካብ 25 ምኢታዊት ኣይበልፅን-ኢንጂነር ግደይ ዘርኣጽዮን

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ንስርዓት ደርጊ ኣብ ምውጋድ ኣብ ዝተኻየደ ብረታዊ ቃልሲ ግደ ህወሓት ካብ 25 ምኢታዊት ከምዘይበልፅ መስራቲን ኣመራርሓን ነበር እቲ ፓርቲ ኢንጂነር ግደይ ዘርኣጽዮን ገሊፆም።

ኢንጂነር ግደይ ዘርኣጽዮን አይተ መኰንን ዘለለውን ምስ መሶብ ፋና ፃንሒት ጌሮም። ኣብ ፃንሒቶም ድማ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ተፈጥሯዊ ስርሒቱ ብዘይ ፀላኢ ክነብር ከምዘይኽእል ሓቢሮም።

እዞም ፖለቲከኛታት ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብዘይ ፀላኢ ክነብር ከምዘይኽእልን፤ “ፈታዊ ወይ ፀላኢ” ዝብል እምበር መንጐኛ ዝብሃል ስርሒት ከምዘይኽተልን ኣረዲኦም።

ብምኽንያት እዚ ድማ ፍፁም ኢትዮጵያዊ ንዝዀነ ህዝቢ ትግራይ ንበይኑ ሓፂሩ “ፀላእቲ መፁኻ” ብዝብል ናይ ሓሶት ተረኽ ‘ውላድ ኣልቦ’ የትርፎ ኣሎ ኢሎም።

እቶም ፖለቲከኛታት መስረትቲን ኣመራርሓን ህወሓት ነበር እንትዀኑ፤ ኣብ እዋን እቲ ብረታዊ ቃልሲ ውልቃዊ ረብሐኦም ብዘቐድሙ መራሕቲ እቲ ፓርቲ ተደፊኦም ከምዝወፁ ኣዘኻኺሮም።

ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ፀጋታቱን ባህሉን ብምጥፋእ ብናይ ሓሶት ተረኻት ናብ ኲናት ደፊኡ ደቁ የህልቐሉ ኣሎ ዝበሉ ኢንጂነር ግደይ፤ ኣብ ዝሓለፈ ብረታዊ ቃልሲ ስርዓት ደርጊ ንምግርሳስ ግደ ህወሓት ካብ 25 ሚኢታዊት ከምዘይበልፅ ኣረዲኦም።

ህወሓት ብናይ ሓሶት ተረኻትን ትምክሕትን እዩ ዝጓዓዝ ዝበሉ መስራቲን ኣመራርሓን እቲ ፓርቲ ነበር ኢንጂነር ግደይ ዘርኣጽዮን፤ ሐዚ እውን ይኣኽለካ እንተዘይተባሂሉ ነቲ ህዝቢ ናብ ዝኸፍአ ፀገም የሳጥሖ ከምዘሎ ገሊፆም።

ኣይተ መኰንን ብወገኖም፤ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ኣማራፂ ፖለቲካ ኣልቦ ብምትራፍን ኣሲሩ ብምሓዝን ናብቲ ሐዚ በፂሑዎ ዘሎ ፀገም ከምዘሳጥሖ ኣዘኻኺሮም። ብምዃኑ ድማ ሐዚ እውን ንሳልሳይ ኲናት ጎስጓስ የካይድ ከምዘሎን ኣይፋልካን ክበሃል ከምዝግብኦን ፀዊዖም። ራዕዳዊ ህወሓት ኣስታት 80 ሽሕ ወተሃደራት ኣህሊቐ ክብል ከሎ ኣብ ባዕሉ ሓደ ቚሱል ከምዘለዎ እኳ ኣይገልፅን ኢሎም።

ሐዚ እውን እንተዀነ ነቲ ህዝቢ ካብ ፀገም ንምንጋፍ ሰላማዊ ምርድዳኣት ንከናዲን ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ኣቲዎ ዘሎ ፀገምን ፀበባን ንከውፅኦን ፖለቲከኛታት ኢንጂነር ግደይ ዘርኣጽዮንን ኣይተ መኰንን ዘለለውን ፀዊዖም።

ብጌታቸው ኣለሙ

Comments (0)
Add Comment