ንስራሕ ናብ ወፃኢ ዝኸዱ ዜጋታት መሰሎምን ድሕንነቶምን ንኽሕሎ እናተሰርሐ ምዃኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ንስራሕ ናብ ወፃኢ ዝኸዱ ዜጋታት መሰሎምን ድሕንነቶምን ዝተሓለወን ስርዓት ምውፋር ስራሕ ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘን ንምግባር  እናተሰርሐ ምዃኑ ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል ምስ ኣምባሳደር ስዑድ ዓረብ ኣብ ኢትዮጵያ ዶክተር ፋሃድ ኣባይዳላህ ኣልሁማየዳኒ ተዛቲየን፡፡

እቲ ዘተ÷ ንስራሕ ናብ ስዑድ ዓረብ ዝኸዱ ዜጋታት መሰልን ድሕንነቶምን ምሕላው ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ዘድሀበ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ወይዘሮ ሙፈሪሃት÷ “ምስ ምውፋር ስራሕ ወፃኢ ተተሓሒዙ መሰልን ድሕንነትን ዜጋታት ንምሕላው፤ ካብ ሰብ ምንኽኻእ ዝነፅሀን ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘን ንኽኸውን ብዕቱብ ይስራሕ ኣሎ” ኢል፡፡

ስዑድ ዓረብ ሓዊሱ ንስራሕ ናብ ወፃኢ ዝለኣኹ ዜጋታ እውን በዛዕባ ዝኸዱሉ ሃገር እኹል ሓሬታ ክህልዎም ካብ ምግባር ሓሊፉ ስልጠና ቋንቋን ሞያን ክወስዱ ከምዝግባእ ኣገንዚበን፡፡

ትኹረት እቲ ምውፋር ስራሕ ዝሰልጠነን ብኽፋል ዝሰልጠነን ሓይሊ ሰብ ኣብ ምልኣኽ ከምዘድህብ ኣብሪሀን፡፡

ኣምባሳደር ፋሃድ ኣባይዳላህ ኣልሁማየዳኒ ብግደኦም÷ ስዑድ ዓረብ ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ኣሰራርሓ ብምምሕያሽ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ካብ ኢትዮጵያ ንምቕባል ምድላው ምዝዛማ ተዛሪቦም።

ስርዓት ምውፋር ስራሕ ዝተናበበ፣ ዘበናዊ፣ ምንግልታዕን ዘይሕጋዊነትን ተገልገልቲ ብዝቕንስ መልክዑ ኣብ ቀረባ እዋን ተግባራዊ ንኽኸውን ብምውዳድ ከምዝስራሕ ኣብቲ እዋን ምሕባሩ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብና ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment