ንስራሕቲ ምክልኻል ዕስለ ኣምበጣ በረኻ ዝሕግዙ ሰብ ሞያታት እስራኤል ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዕስለ ኣምበጣ በረኻ ብዘላቒነት ንምክልኻል ዝሕግዙ ሰብ ሞያታት እስራኤል ሎሚ መዓልቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም።

እቶም ሰብ ሞያታት ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዝርገሐ ዕስለ ኣምበጣ በረኻ ንምቁፅፃር ተሳትፎ ዝገብሩ ኢዮም ተባሂሉ።

ንዝቕፅሉ ክልተ ሰሙናት ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብሩ እቶም ሰብ ሞያታት፥ 200 ንዝኾኑ ሰብ ሞያታት ኢትዮጵያ ስልጠና ሜላታት ምክልኻል ኣምበጣ በረኻ ከምዝህቡ ተገሊፁ።

ምክትል ሚኒስትር ድሕንነት እስራኤል ጋዲ ይቫርከን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ሰብ ሞያታት እስራኤል ናብ ኢትጵያ ከምዝመፅኡ ምግላፆም ይዝከር።

እቶም ምክትል ሚኒስትር ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ኣብ ስራሕቲ ምክልኃል ዕስለ ኣምበጣ ተፀሚዶም ዝርከቡ ሰብሞያታት ክእለቶም ምዕባይ ከምዝግባእ ተዛሪቦም ኢዮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment