ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝውዕል ስርናይ ናብ ክልል ትግራይ ይጓዓዝ ኣሎ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝውዕል ስርናይ ናብ ክልል ትግራይ እናተጓዓዘ ምዃኑ ብሄራዊ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራ ስግኣት ሓደጋ ኣፍሊጡ።
ሎሚ መኣልቲ ልዕሊ 12 ሺሕ ኩንታል ስርናይ ዝፀዓና 30 ተሸከርከርቲ ናብ ከተማ መቐለ ምእታወን እቲ ኮሚሽን ገሊፁ ኣሎ።
ኣብ ኣዳማን ኮምቦልቻን ካብ ዝርቡ መኻዚናት ዝተፅዓነ እቲ ሰርናይ፥ ብትራንስፖርት ዕለታዊ ረዳእታ ኣቢሉ ኢዩ እናተጓዓዓዘ ዝርከብ።
ኣብ ቀፃሊ እውን ተወሳኺ ሰብኣዊ ሓገዛት ናብ ክልል ትግራይ ንምብፃሕ እናተሰርሐ ከምዝኾነ እቲ ኮሚሽን ኣፍሊጡ።
ትማሊ ናብ ከተማ ሽረ ብ44 ከቢድ ፅዕነት ተሸከርከርቲ ዝተልኣኸ ምግብን ካልኦት ኣድለይቲ ኣቑሑትን ከምዝበፅሑ ተሓቢሩ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ እቲ ሓገዝ ንምክፍፋል ምድላው እናተገበረ ከምዝኾ ተገሊፁ።
ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ መዓልቲታት ናብ ከተማ ኣላማጣ ዝተልኣኸ ዕለታዊ ርዳእታ እናተኸፋፈለ ከምዝርከብ እቲ ኮሚሽን ኣፍሊጡ።
ብተወሳኺ 15 ሜትሪክ ቶን እኽሊ ንምልኣኽ ምድላው እናተገበረ ከምዝርከብ ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ኣይተ ምትኩ ካሳ ገሊፆም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን እናተገበረ ዝርከብ ሓገዝ ብመንግስቲ ጥራሕ ከምዝኾነ ዝሓበሩ እቶም ኮሚሽነር፥ እቲ ርዳእታ ሩዝ፣ ሕሩጭ፣ ካልኦት ምግቢ ተንከፍን ተተሓሓዝቲ ናውቲን ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
ብሲካው ታደሰ
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment