ንሰራዊት ዝግበር ሓገዝ ዝተውሃበና ወፍሪ ብጅግንነት ንኽንዋፃእ ምልዕዓል ዝፈጥር ኢዩ – ሜ/ጄ ይልማ መርዳሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ንሰራዊት ዝግበር ሓገዝ ዝተውሃበና ወፍሪ ብጅግንነት ንኽንዋፃእ ምልዕዓል ዝፈጥር ኢዩ ክብሉ ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ሜጀር ጄነራል ይልማ መርዳሳ ገሊፆም።

እቶም ዋና ኣዛዚ እዚ ዝበሉ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ለሚ ኩራ መተዓብይቲ ኣዕርኽቲ ዘተኣኻኸቡዎ ግምቱ ልዕሊ 1 ሚሊየን ብር ዝኸውን ናይ ሕርዲ ኣብዑርን ዕሹግ ማይን ኣብ መምርሒ ሓይሊ ኣየር ኣብ ዝተረከቡሉ እዋን ኢዩ።

ኢትዮጵያ ዓባይ ሃገር ብምዃና ንዓባይ ሃገር ዝምጥን ሓይሊ ኣየር እናተሃነፀ ከምዝርከብ ዝገለፁ እቶም ጄነራል መኮንን፥ ኣብ ውግእ ኮይንና እውን ስራሕቲ ምስፍሕፋሕ መሰረተ ልምዓታት ብምስላጥ ምቹውን መንበሪ ቦታት ንምፍጣር ኣብ ሰራዊት ጉልበትን ዝተፈላለያ ትካላት ብምትሕብባር ብዙሓት ስራሕቲ እናተሰርሑ ይርከቡ” ኢሎም።

“ህዝቢ እናገበሮ ዝርከብ ሓገዝ ድማ ዝተውሃበና ወፍሪ ልኡኽቶ ብልዑል ሃገራዊ ወነን ጅግንነትን ክንዋፃ ዘኽእለና ኢዩ” ክብሉ ገሊፆም።

እቶም ገበርቲ ሓገዝ ንዝገበሩዎ ድጋፍ እውን ብሽም እቲ ትካልን ሰራዊትን ምስጋና ምቕራቦም ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment