ንሰራዊት ምክልኻል ዝግበር ዘለሎ ሓገዝ ንምትእንጋድ ትካላት ፌዴራል ዘሳተፈ ብሄራዊ ኮሚቴ ተጣይሹ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ንሰራዊት ምክልኻል ዝግበር ዘለሎ ሓገዝ ንምትእንጋድ ትካላት ፌዴራል ዘሳተፈ ብሄራዊ ኮሚቴ ከምዝተጣየሸ ሚኒስቴር ሰላም ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ሰላም ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚል ኣብ እዋናዊ ኩነታት ሃገር ኣመልኪቱ ኣብ ዝሰተሰናድአ መድረኽ ከምዝበለኦ፥ ሕብረተሰብ ሰራዊት ምክልኻል እናካየዶ ዝርከብ ስራሕቲ ምኽባር ሕጊ ብምሕጋዝ ፍቕሩን ክብሩን እናገለፀ ይርከብ፡፡

ብዝተፈላለየመገዲ ንሰራዊት ምክልኻል እናተገበረ ዝርከብ ሓገዝ ብግቡእ ንምትእንጋድ ዝተፈላለያ ትካላት ፌዴራል ዘሳተፈ ብሄራዊ ኮሚቴ ተጣይሹ ስራሕ ምጅማሩ ምግላፀን ካብ ሚኒስቴር ሰላም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment