ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ እዋናዊ ኩታት ኣድሂበን ካብታ ከተማ ምስ ዝወፅኣ ደቂ ኣንስትዮ ተዛቲየን።
እቲ መድረኽ ዘተ ኣብዚ እዋን ዋጋ እናኸፈለ ዝርከብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ጎኑ ከምዝኾና ንምርኣይ፣ ሰላም ሃገር ንምንጋዕ እናተንቀሳቐሱ ዝርከቡ ሓይሊታት ጥፍኣት ብምምካት ሰላም ከባቢ ምሕላው ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ዘተኮረ ኢዩ።
ወይዘሮ ኣዳናች ኣቤቤ፥ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት እናገበሮ ዝርከብ ስራሕቲ ጥፍኣት ህፃናትን ደቂ ኣንስትዮን ምጥቃሙ ግቡእ ከምዘይኮነ ብምፅራሕ ደቂ ኣንስትዮ ነዚ ተግባር ክኹንነኦ ይግባእ ኢለን።
“ኣብዚ እዋን መስዋእትነት እናኸፈለ ዝርከብ ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ጎንኑ ምዃንና ክነርኢ ይግባእ” ክብላ ገሊፀን።
ብፍላይ ሰላም ከባቢ ንምህዋኽ ካብ ውሽጢን ወፃኢን ዝንቀሳቐሱ ሓይሊታት ስለዘለዉ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ሰላም ከባቢ ምሕላው ከምዝግባእ ኣገንዚበን።
ንሰራዊት ምክልኻል ዝግበር ሓገዝ ብምጥንኻር ዝተጀመሩ ስራሕቲ ልምዓት ክቕፅሉ ምግባር ከምዝግባእ እውን ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
ተሳተፍቲ እቲ ዘተ ብግደአን፥ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ትግራይ እናገበሮ ዝርከብ እኩይ ተግባር ኮኒነን።
ዋጋ እናኸፈለ ንዝርከብ ሰራዊት ዘለወን ድጋፍ ብምግላፅ ሕዚ እውን ዝገብረኦ ሓገዝ ኣጠናኺረን ከምዝቕፅላ ኣረጋጊፀን።
ብሃይማኖት ኢያሱ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።