ንሰራሕተኛታቶም ብነፃ ምግቢ ዘቕርቡ ኩባኒያታት

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተፈላለዩ ትካላት ናይ ሰራሕተኛታቶም ዓቕሚ ፀንቂቖም ንምጥቃምን ውፅኢታዊ ስራሕ ንምስራሕን ዓሊሞም ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ይህቡ።

ካብ መንጎ እቶም ትካላት ኣብ ዓለምና ዝርከቡ ገዘፍቲ ኩባኒያታት ቴክኖሎጂ፥ ፌስቡክ፣ ጉግል፣ ኣፕል፣ ኤክስን ማይክሮሶፍትን ተረቋሕቲ ኢዮም።

ፌስቡክ፥ ካፊቴሪያታት ንሰራሕተኛታትን ኣጋይሽን ዓይነታት ምግቢ ኣሜሪካን እስያን ብነፃ የቕርብ።

ጉግል ድማ 18 ካፊቴሪያቱ ንሰራሕተኛታቱ ዝተፈላለዩ ኣማራፅታት ምግብን መስተን ብነፃ ከመዘቕርብ ይግለፅ።

ኩባኒያ ኣፕል፥ ንሰራሕተኛታቱን ኣጋይሽን ሙሉእ ብሙሉእ ነፃ ኣገለግሎት ምግብታት ስፓኒሽ፣ ሜክሲኮ፣ ጣሊያን፣ ጃፓንን ፈረንሳይን የቕርብ።

ኤክስ (ብናይ ቀደም ትዊተር)፥ ካፊቴሪያኡ ንሰራሕተኛታት እቲ ኩባኒያ ምግብን መስተን ብነፃ ከምዘቕርብ ተገሊፁ።

ማይክሮሶፍት ድማ፥ ንሰራሕተኛታት ምግብታት ብትሑት ዋጋ ከምዘቕርብ ክሎክ ኢት ፀብፂቡ።

 

Comments (0)
Add Comment