ንሰራሕተኛታት መንግስቲ ካብ ቀፃሊ ወርሒ ጀሚሩ ምዘና መረጋገፂ ብቕዓት ክወሃብ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ንሰራሕተኛታት መንግስቲ ካብ ቀፃሊ ወርሒ ሚያዚያ ጀሚሩ ምዘና መረጋገፂ ብቕዓት ክወሃብ ኢዩ ክብል ኮሚሽን ስቪል ሰርቪስ ኣፍሊጡ።

ብዩንቨርስቲ ስቪል ሰርቪስ ኢትዮጵያ ዝዳሎ ምዘና፥ ብቑዕን ተወዳዳሪን ሰራሕተኛ ንምፍራይ ወሳኒ ግደ ከምዘለዎ ተገሊፁ።

ኮሚሽነር ስቪል ሰርቪስ በዛብህ ገብረየስ፥ ናብ ትካላት መንግስቲ ዝኣትዉ ሰራሕተኛታት ሙያዊ ብቕዓቶም ንምርግጋፅ ዝተፈላለዩ ተግባራት እናተሰርሑ ከምዝፀንሑ ኣፍሊጦም።

እቲ ምዘና ንኹለን ትካላት መንግስቲ ንኸገልግል ዘኽእል መዐቀኒ ከምዝወፅአሉ ድማ ገሊፆም።

ኣብ ትካላት መንግስቲ ዝረኣዩ ክፍተታት ኣሰራርሓን ኣወዳድባን ኣብ ዝቕፅሉ ዓማውቲ ብዕምቆት ክራእዩ ኢዮም ኢሎም።

ተመሳሳሊ ስራሕን ዕላማን ብምሓዝ ዝሰርሑ ትካላት ናብ ሓደ ዝመፅእሉ ኩነታት ከምዝህሉ ድማ ሓቢሮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

 

Comments (0)
Add Comment