ንሰላምን ዝርርብን ዝረፍድ ግዘ የለን – ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንሰላምን ዝርርብን ዝረፍድ ግዘ ከምዘየለ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ገሊፀን።

6ይ ዙር 3ይ ዓመት ዘበን ስራሕ ሓበራዊ ኣኼባ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ይካየድ ኣሎ።

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብቲ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ዝገበረኦ መደረ÷ ኣብ ሰሜን ክፋል ሃገርና እናተኻየደ ዝነበረ ደም መፋሰሲ ኲናት ብሰላም ስምምዕነት ክዛዘም ከምዝገበረ ኣዘኻኺረን፡፡

በዚ ድማ ንኣፍሪካዊ ፀገማት ኣፍሪካዊ መፍትሒ ዝብል ኣህጉራዊ መምርሒ ብተግባር ተፈቲሹ ውፅኢታዊ ምዃኑ ከምዝተርኣየ ገሊፀን፡፡

“ኣብዚ ሕዚ እዋን እቶም ስምምዓት ናብ ተግባር ተቐይሮም ኣብ ምዕራፍ ዳግመ ህንፀት ንርከብ” ኢለን ኣብ መደረአን፡፡

ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ብዝርርብ ምፍታሕ ምኽኣሉ ብዙሓት ዜጋታት ካብ ህልቂትን ስቓይን ዝገላገለን ዕረፍቲ ዝፈጠረን ከምዝኾነ እውን ኣገንዚበን፡፡

“ሃገርና ድሕሪ ሕዚ ኣብ ሃገርና ብጠበንጃን ብሓይሊን ኣፈላላያት ናይ ምፍታሕ ኣማራፂ ከኽትም ከምዘለዎን ከምዝከኣልን ብተግባር ዘርአየ ኢዩ” ኢለን፡፡

መንግስቲ ምስ ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ፀገማት ብምዝታይን ብዝርርብን ናይ ምፍታሕ ቆራፅነት ከምዘለዎ ብተግባር ዘመስከረሉ ከምዝኾነ እውን ተዛሪበን፡፡

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ኣብ መደረአን÷ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንሰላምን ዝርርብን ዝረፍድ ግዘ ከምዘየለ ገሊፀን።

ብዮሃንስ ደርበው

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment