ንሩሲያ ይስልል ነይሩ ዝተብሃለ ዓሳ ነባሪ ሞይቱ ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንሩሲያ ይስልል ነይሩ ዝተብሃለ ዓሳ ነባሪ ኣብ ጠረፍ ባሕሪ በኖርዌይ ሞይቱ ከምዝተረኸበ ተሓቢሩ።

እቲ ዓሳ ነባሪ ብቋንቋ ኖርዌይ “ህቫለ” ወይ እውን “ዓሳ ነባሪ” ዝብል ብምውሳድ ሽም ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ብምውሳኽ “ህቫልዲሚር” ዝብል ቅፅል ሽም ከምዘለዎ ተገሊፁ፡፡

ህቫልዲሚር ኣብ ሩሲያ ብሰላልነት ከምዝሰልጠነ ዝጥርጠር እንትኸውን፥ ህይወት ኣልባ ኣካሉ ኣብ ደቡብ ምዕራብ ከተማ ሪሳቪካ ተንሳፊፉ ከምዝተረኸበ ተሓቢሩ፡፡

በዚ ድማ ንምርመራ ኣብ ቀረባ ናብ ዝርከብ ወደብ ከምዝተወሰደ ተገሊፁ፡፡

እቲ ዓሳ ነባሪ ንፈለማ እዋን ኣብ ኖርዌይ ኣብ ውሽጢ ማይ ዝተርኣየ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት እንትኸውን፥ ኣብ ኣካሉ ዝተገጠመ ካሜራ ‘መሳርሒታት ሴንት ፒተርስበርግ’ ዝብል ፅሑፍ ከምዝነበሮ እውን ተሓቢሩ፡፡

ብምዃኑ እውን እዚ መጥበዊ እንስሳ ሰላሊ ክኸውን ከምዝኽእል ብብዙሓት ግምት ተዋሂቡዎ ተባሂሉ፡፡

ሩሲያ ብዛዕባ እዚ ዝሃበቶ ምላሽ ከምዘየለ ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

Comments (0)
Add Comment