ንረቂቕ ሕጊ ‘ኤችኣር 6600’ ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፊ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ንረቂቕ ሕጊ ‘ኤችኣር 6600’ ዝቃወም ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ዝሳተፉሉ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ኣሜሪካ ከምዝካየድ ተገሊፁ።

ብኣባላት ኮንግረስ ኣሜሪካ ቶም ማሊኖውስኪ (ኒውጀርሲ)፣ ያንግ ኪም (ካሊፎርኒያ)፣ ግሪጎሪ ሚክስ (ኒው ዮርክ)፣ ዴቪድ ሲሲሊን (ሮድ አይላንድስ)፣ ብራድ ሼርማን(ካሊፎርኒያ)ን ማይክል ማካውል (ቴክሳስ)ን ‘ኢትዮጵያ ስታብላይዜሽን ፒስ ኤንድ ዴሞክራሲ ኣክት’ ወይ እውን ኤችኣር 6600 ብዝብል ዘሰናድኡዎ ረቂቕ ሕጊ ብኮሚቴ ጉዳያት ወፃኢ እቲ ኮንግረስ ልዝብ ከምዝተገበረሉ ይፍለጥ።

‘ኤችኣር 6600’ ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ትገብሮ ሓገዝ ድሕንነትን ንግዲን ንኽተቋርፅን ካብ ዓለም ለኸ ትካላት ፋይናንስ ሓገዝን ልቓሕን ከይትረክብ እገዳ ዝሓዘ ረቂቕ ሕጊ ኢዩ።

እቲ ረቂቕ ሕጊ ንኢትዮጵያ ብገበን ምጥፋእ ዘርኢ ንምኽሳስ ዝዓለመ እውን እንትኸውን፥ ኣብ ጉዕዞን ቪዛን ሓዊሱ ብሓፈሻ ኣብ ጉዳያት ኢሚግሬሽን ገደብ ከንብር ከምዝኽእል እውን ይገልፅ።

ንረቂቕ ሕጊ ‘ኤችኣር 6600’ ዝሚቃወም ሰላማዊ ሰልፊ 1 መጋቢት 2014 ዓ.ም ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ኒውጀርሲ ከምዝካየድዋና ኣካቢ ትካል ተስፋ ንኢትዮጵያ ኒውዮርክ ኒውጀርሲ ኣይተ ኣክሊሉ ታፈሰ ንግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ገሊፆም።

እቲ ሰልፊ፥ ነቲ ሕጊ ዘርቀቑ ኣባል ኮንግረስ ኒውጀርሲ ቲም ማሊኖውስኪ ኣብ ዝሰርሑሉ ቢሮ ከምዝካየድን ነዐኦምን ነቲ ረቂቕ ሕጊን ዝቃወሙ መልእኽቲታት ከምዝመሓላለፉ ኣመልኪቶም።

ኣብ ቀፃሊ እውን ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ንረቂቕ ሕጊ ኤችኣር 6600 ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፊ ንምክያድ ከምዝተሓሰበ ኣብሪሆም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment