ንረቀቕቲ ሕጊታት ‘ኤች ኣር 6600’ን ‘ኤስ.3199’ ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ንረቀቕቲ ሕጊታት ‘ኤች ኣር 6600’ን ‘ኤስ.3199’ ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ተኻይዱ።

ኣብ ፊት ንፊት ዋይት ሃውስ ዝተኻየደ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ፥ እቶም ረቀቕቲ ሕጊታት ንኢትዮጵያን ኢትዮጵያውያንን ዝጎድኡ ስለዝኾ ክፀድቁ ኣይግባእን ክብሉ እቶም ሰልፈኛታት መልእኽቲ ምምሕልላፎም ግብረ ሓይሊ ሰላምን ሓድነትን ንኢትዮጵያ ኣብ ዋሸንግተን ዲሱ ኣፍሊጡ።

እቶም ሕጊታ ንነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ርክብ ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ዝጎድእ ከምዝኾነን ረብሓ ክልቲአን ሃገራት ዝሕሉ ከምዝኾነ ገሊፆም።

እቶም ሰልፈኛታት ረቀቕቲ ሕጊታት ‘ኤችኣር 6600’ን ‘ኤስ 3199’ ጎዳእቲ ስለዝኾኑ ክስረዙ ይግባእ ኢሎም።

ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኢትዮጵያውያን፣ ኤርትራውያንን ፈተውቲ ኢትዮጵያን ምስታፎም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ብተመሳሳሊ ዜና ድማ እቶም ረቀቕቲ ሕጊታት ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፊ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ግዝኣት ካሊፎርኒያ ከተማ ሎስ አንጀለስ ክካየድ ኢዩ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment