ንምድላው ሃንደበታዊ ኩነታት ኮቪድ-19 ዝውዕል ገንዘብን ካልኦት ቀረባትን ዘተኣኻኽብ ብሄራዊ ኮሚቴ መተኣኻኸቢ ኣቕርቦት ተጣይሹ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ንምድላው ሃንደበታዊ ኩነታት ኮቪድ-19 ዝውዕል ገንዘብን ካልኦት ቀረባትን ዘተኣኻኽብ ብሄራዊ ኮሚቴ ኣተኣኻኸቢ ኣቕርቦት ኣጣይሾም።

መንግስቲ ንዑል መጠን ዘለዎ በጀት ብምስላዕ ኣፀገም ነገራት እንትፍጠሩ ንምቁፅፃር ዘኽእሉ እታወታት እናተኣኻኸበ ከምዝርከብ ተገሊፁ።

ይኹን እምበር ከምዙይ ዝበሉ ተግባራት ናይ ሕድሕድ ሰብ ኣስተዋፅኦ ዝደልዩ ከምዝኾኑ ኢዩ ዝተሓበረ።

ኣዚዩ ኣፀጋሚ ዝኾነ እዋን እንተጋጥም ብዓወት ምሕላፍ ዝከኣል ብሕብረትን ብዝግባእ ብምውዳድን ብዝግበሩ ፃዕሪታት ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።

እቶም ኣባላት ብሄራዊ ኮሚቴ፥ ብቐዳምነት ኣስተዋፅኦ ንምግባር ብዝብል ናይ ሓደ ወርሒ መሃየኦም ንብሄራዊ ኮሚቴ መተኣኻኸቢ ኣቕርቦት ኮቪድ-19 ምውፋዮም ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment