ንምዕባለ እዛ ሃገር ዝምጥን ህንፀት መሰረተ ልምዓት ሓይሊ ይካየድ ኣሎ

ንምዕባለ እዛ ሃገር ዝምጥን ህንፀት መሰረተ ልምዓት ሓይሊ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ንሃገራዊ ዕቤት ኢኮኖሚ ዝምጥን ህንፀት መሰረተ ልምዓት ሓይሊ እናካየደ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ፡፡

ዳይሬክተር መምርሒ ኮሙኒኬሽን እቲ ትካል ሞገስ መኮንን ከምዝበሉዎ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘሎ ሃገራዊ ሓይሊ ናይ ምፍልፋል ዓቕሚ ልዕሊ ዕፅፊ ንምዕባይ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ህንፀት ሓሙሽተ ፕሮጀክቶች ሓይሊ እናተኻየደ ምዃኑ ገሊፆም፡፡

ዝህነፀ መከፋፈልቲ ጣቢያታትን መመሓላለፊ መስመራትን ክሳብ ሕዚ ተረባሕቲ ኤሌክትሪክ ዘይነበሩ ከባቢታት ተበፃሒ ምግባር ትኹረት ዝገበሩ ከምዝኾኑ እውን ፀሪሖም፡፡

ኣብ ዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓመታት ሽፋን ተበፃሕነት ሓይሊ ሕዚ ካብ ዘለዎ 54 ሚኢታዊ ናብ 78 ሚኢታዊ ንምብፃሕ ትኹረት ተዋሂቡ እናተሰርሐ ይርከብ ምባሎም ካብቲ ትካል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

Comments (0)
Add Comment