ንምዕራፍ እናተሰናደአት ትኪ ዝተርኣያ ኣውሮፕላን ብዕዉት ኩነታት ዓሪፋ – መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ድሬዳዋ ንምዕራፍ እናተሰናደአት ትኪ ዝተርኣያ ኣውሮፕላን ብሰላም ከምዝዓረፈት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ሎሚ መዓልቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ድሬዳዋ እናተጓዓዘት ዝነበረት ናይ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ በረራ ቁፅሪ ET-248 ኣውሮፕላን ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ድሬዳዋ ንምዕራፍ ኣብ ምድላው እናሃለወት ኣብታ ኣውሮፕላን ትኪ ከምዝተርኣየ ተገሊፁ፡፡

እታ ኣውሮፕላ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ድሬዳዋ ብሰላም ብምዕራፍ ዓማዊል ብዝተለመደ መልክዑ ካብታ ኣውሮፕላን ክወርዱ ከምዝኸኣሉ ሓበሬታ እቲ መገዲ ኣየር የመላኽት፡፡

ትኪ ዝተርኣየሉ ምኽንያት እናተፃረየ ከምዝርከብ ዝገለፀ እቲ መገዲ ኣየር÷ ንዝተፈጠረ ኣጋጣሚ ንመገደኛታት ይቅርታ ሓቲቱ፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment