ንምክልኻል ኮቪድ 19 ዝውዕል 33 ሚሊየን ብር ዝግመት ናዉቲ ደገፍ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ) ግሎባል ላይፍ ሼሪንግ ዝተብሃለ ትካል ገባሪ ሰናይ ንምክልኻል ኮቪድ 19 ዝውዕል 33 ሚሊየን ብር ዝግመት ናዉቲ ሕክምና ንሚኒስቴር ጥዕና ደገፍ ገይሩ።

ሚኒስትር ጥዕና ዶከተር ሊያ ታደሰ እቲ ትካል ዝገበሮ ደገፍ ኢትዮጵያ ንዘላቶ ፈታኒ እዋን ንምውፃእ ልዑል ግደ ከምዘለዎ ገሊፀን።ብተወሳኺ ንምክልኻል ቫይረስ ኮሮና ጥራሕ ዘይኮነስ ንስሩዓት ኣገልግሎታት ጥዕና ንምጥንኻር ዝሕግዝ ከምዝኾነ ሓቢረን።

ተወካሊት ግሎባል  ላይፍ ሼሪንግ ዶክተር ዮዲት ኣብርሃ ብግደአን፥ እቲ ደገፍ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ተዛሪበን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment