ንምርጫ 2013 ዝኸውን ድልድል 700 ሰዓታት ቴሌቪዥን፣ 400 ሰዓታት ራዲዮን ጋዜጣን ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ንምርጫ 2013 ዝኸውን ንፓርቲታት ፖለቲካ ድልድል ነፃ ኣየር ሰዓትን ዓምዲ ጋዜጣን ቀሪቡ።

እቲ ድልድል ተሞክሮ ሕሉፋት ምርጫታት፣ በዝሒ መራኸብቲ ሓፋሽን ዓቕሚ ብሄራዊ መራኸብቲ ሓፋሽን መሰረት ዝገበረ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ንምርጫ 2013 ዝኸውን ድልድል 700 ሰዓታት ቴሌቪዥን፣ 400 ሰዓታት ራዲዮ ከምኡ እውን ዓምዲ ጋዜጣ ተደልዲሉ።

እዚ ማለት ምስ ሕሉፍ ምርጫ እንትነፃፀር፥ 40 ሚኢታዊ ንሬዲዮ፣ 300 ሚኢታዊ ንቴሌቪዥን ወሰኽ አነትህልዎ ንጋዜጣ ድማ 15 ሚኢታዊ ከምዝነከየ ተሓቢሩ።

ብምስክር ስናፍቅ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment