ንምርግጋፅ ሰላምን ድሕንነትን ክልል ኣምሓራ ቀዳምነት ዝህቡ ኣመራርሓ ናብ ቅድሚት ንምምፃእ ጠመተ ሂብና ክንሰርሕ ኢና-ክልል ኣምሓራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ንምርግጋፅ ሰላምን ድሕንነትን ክልል ኣምሓራ ቀዳምነት ዝህቡ ኣመራርሓ ናብ ቅድሚት ንምምፃእ ጠመተ ሂብና ክንሰርሕ ኢና ክብል ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ እቲ ክልል ትካላት ፀፅታ ንምጥንኻር ሓለፍቲን ምክትላት ሓለፍቲን ሰላምን ፀፅታን፣ ፖሊስ ኮሚሽን፣ ሚሊሻን ኣብያተ ህንፀትን ትማሊ ምሿሙ ይዝከር።

ሓላፊ ቢሮ ጉዳይ ኮሚኒኬሽን መንግስቲ እቲ ክልለ መንገሻ ፈንታው(ዶ/ር)፥ ሓዱሽ ዝተጣየሸ ትካል ዓውዲ ፀፅታ ምስ ኣባላት ቤት ምኽሪ ፀፅታ ናይ ምፍላጥ፣ እዋናዊ ኩነታት ናይ ምግምጋምን ኣብ ቀፃሊ ኣንፈታትን ዝጠመተ ዘተ ሎሚ ኣብ ባህርዳር ከምዝተሳለጠ ተዛሪቦም።

ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ዘሎ መሓዉር ፀፅታ ብምጥቃምን ብምውዳብን ኣብ ሰሎምን ድሕንነትን ለውጢ ንምምፃእ ከምዝስራሕ ሓቢሮም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

Comments (0)
Add Comment