ንመፈልፈሊ ሓይሊ ንፋስ ኣሰላ ተርባይን ምስ ዘቕርብ ሰይሜንስ ጋሜሳ ስምምዕነት ተፈሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ንመፈልፈሊ ሓይሊ ንፋስ ኣሰላ ተርባይን ምስ ዘቕርብ ሰይሜንስ ጋሜሳ ስምምዕነት ተፈራሪሙ።

100 ሜጋ ዋት ሓይሊ ከፈልፍል ኢዩ ተባሂሉ ትፅቢት ምስ ዝግበረሉ መፈልፈሊ ሓይሊ ንፋስ ኣሰላ፥ ኣብ ሞንጎ ኣዳማን ኣሰላን ዝርከብ ኢዩ።

እዚ መፈልፈሊ ሓይሊ ንፋስ ተመጣጣኒ ሓሊ ንምቕራብ ዘኽእል ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ ዝተበፅሐ ስምምዕነት፥ ሰይሜን ጋሜሳ ከም ኣቆፃፅራ ኣወውሮፓውያን ካብ 2023 ጀሚሩ ንመፈልፈሊ ሓይሊ ንፋስ ኣሰላ ኤስጂ 3 ነጥቢ 4 -132 ተርባይናት ንፋስ ከቕርብ ኢዩ ተባሂሉ።

ሰይሜንስ ጋሜሳ፥ ስራሕቲ ህንፀት ኢንጅነሪንግ፣ ኣድለይቲ ኣገልግሎታትን ቀረባትን መፈልፈሊ ሓይሊን ሙሉእ ብሙሉእ ዛዚሙ ናይ ምርካብ ሓላፍነት ከምዘለዎ ኣፍሪካ ቢዝነስ ኮሙዩኒቲ ዘውፀኦ ፀብፃብ የመላኽት።

ኢትዮጵያ ናይ ሓይሊ ድሌታ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ክሳብ 2030 ካብ ፍልፍል ዝሕደስ ሓይሊ ንምምላእ እናሰርሐት ትርከብ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment