ንመዕደጊ ዘበናዊ ዱኽዒ (መዳበሪያ) 1 ነጥቢ 3 ቢሊየን ዶላር ተፈቒዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)25 ሚሊየን ኩንታል ዘበናዊ ዱኽዒ (መዳበሪያ) ንምዕዳግ 1 ነጥቢ 3 ቢሊየን ዶላር ብመንግስቲ ተፈቒዱ።

ኮርፖሬሽን ስራሕቲ ሕርሻ ኢትዮጵያ ኣብ ዘበነ ምህርቲ 2017/18 ንመስኖ ሕርሻ ዝውዕል ዳፕን ዩሪያ መዳበሪያ ካብ ወፃኢ ናይ ምጉዕዓዝ ከይዲ ከምዝተጀመረ ገሊፁ።

በዚ ድማ ኣብቲ ዘበነ ምህርቲ 25 ሚሊየን ኩንታል እድጊት መዳበሪያ ከምዝፍፀም ተሓቢሩ።

ን25 ሚሊየን ኩንታል መዳበሪያ (13 ሚሊየን ኩንታል ዩሪያን 12 ሚሊየን ኩንታል ዳፕን) ንምዕዳግ 1 ነጥቢ 3 ቢሊየን ዶላር ኣሜሪካ ብመንግስቲ ከምዝተፈቐደ ሓበሬታ ኮርፖሬሽን ስራሕቲ ሕርሻ ኢትዮጵያ የመላኽት፡፡

ቦርድ ኣመራርሓ ስራሕ እቲ ኮርፖሬሽን ኣብ ዝሃቦ ውሳነ መሰረት ንመስኖ ሕርሻ ዝውዕል ዳፕን ዩሪያን መዳበሪያ ካብ መስከረም 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ንምቕራብ ምንቅስቓስ ከምዝተጀመረ ተገሊፁ፡፡

Comments (0)
Add Comment