ንመከላከያ ሰራዊት ዝግበሩ ዘለዉ ድጋፋት ተጠናኺሮም ቀፂሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትሕቲ ኣብ ኣዲስ አበባ ከተማ ስፖርት ኮሚሽን ዝርከቡ ማእኸላት ስልጠናን ትምህርቲን ስፖርት ቴኒስ ኣራት ኪሎ፣ ኣበበ ቢቂላ መታሰቢያ፣ ጃንሜዳ፣ ራስ ሃይሉን ኣዲስ አበባ ሜዳ ቴኒስን ሰራሕተኛታት ከምኡውን ናይ ስፖርት ፌዴሬሽንን ንመከላከያ ሰራዊት ናይ ምግቢ ስንቂ የዘጋጅዉ ኣለዉ።

ናይ ኣዲስ ኣበባ ስፖርት ኮሚሽን ኮሚሽነር በላይ ደጀን ኣብቲ ምድላው ስንቂ ዝዘጋጀወሉ ቦታ ተረኺቦም ኣብ ዝገበርዎ ንግግር፥ ኣብ ህልውና ዘመቻ ንሃገሩ ሉእላውነትን ሓድነትን ናይ ህይወት መስዋእትነት ንዝኸፍል ሰራዊት መላእ ኢትዮጵያውያን ኣብ ጎኑ ብምዃን ኣጋርነቱ የርእይ ኣሎ ኢሎም።

ማሕበረሰብ ስፖርት ንመከላከያ ሰራዊት ደጀንነቶም ንምርኣይ ዝገብርዎ ድጋፍ ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ እቶም ኮሚሽነር ምግላፆም ካብ ኣዲስ ኣበባ ፕሬስ ሴክሬታሪያት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment