ንመርሃ ግብሪ ሐምለዋይ ኣሰር ኣብ ሓደ ፀሓይ 317 ሺሕን 521 ሄክታር መሬት ከምዝተዳለወ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ድሕሪ ፅባሕ ንዝካየድ መርሃ ግብሪ ሐምለዋይ ኣሰር ኣብ ሓደ ፀሓይ 317 ሺሕን 521 ሄክታር መሬት ከምዝተዳለወ ሚኒስቴር ሕርሻ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ነበርቲ ብበዝሒ ወፂኦም ንክሳተፉ ፃውዒት ቀሪቡ።

ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር)ን ሚኒስትር ዴኤታ ኮሙኒኬሽን ኣገልግሎት መንግስቲ ሰላማዊት ካሳን ብሓባር ብምዃን መግለፂ ሂቦም።

ኣብ መግለፂኦም፥ 17 ነሓሰ 2016 ዓ.ም ብብርኪ ሃገር ኣብ ሓደ ፀሓይ ንዝካየድ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዘድሊ ምድላው ተፈፂሙ ኢዩ ኢሎም።

ግርማ አመንቴ (ዶ/ር)፥ ነቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ኩለን ክልልት 8 ሺሕን 452 ካርታ ዝወፅአሎም ቦታታት ከምዝተዳለዉ ተዛሪቦም።

እቶም ዝተዳለዉ ቦታታት ሓፈሻዊ ስፍሓቶም 317 ሺሕን 521 ሄክታር መሬት ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ነቲ ተኸላ ዝኾኑ ፈልሲታት ኣብ ቀረባ ኣብ ዝርከቡ ቦታታት ድልዋት ከምዝኾኑ ኣረዲኦም።

Comments (0)
Add Comment