ንመላእ ኢትዮጵያውያን እንኳዕ ን1 ጳጉሜን 2016 ዓ.ም፣ መዓልቲ ምሽጋር ብሰላም ኣብፀሐኩም! – ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉሜን ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ሎሚ መዓልቲ እናተኸበረ ዝርከብ 1 ጳጉሜን “መዓልቲ ምስጋር” ኣመልኪቱ መልእኽቲ ኣመሓሊፉ።

እቲ ኣገልግሎት ኣብ መልእኽቱ÷ ንመላእ ኢትዮጵያውያን እንኳዕ ን1 ጳጕሜን 2016 ዓ.ም፣ መዓልቲ ምሽጋር ብሰላም ኣብፀሐኩም ኢሉ።

1 ጳጉሜን 2016 ዓ.ም ሎሚ መዓልቲ ኣብ መላእ ከባቢታት ኢትዮጵያ “መዓልቲ ምስጋር” ብዝብል ስያመ ብድምቀት ተኸቢሩ ከምዝውዕል ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ዕለት÷ “ናይ ምስጋር ጥሪታት፣ ዓቕሚ ዓዱሽ ብርሃን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ ክኽበር፡፡

“ምስጋር ካብ ሓደ ናብ ካሊእ ምዕራፍ ህይወት ስግግር እንገብረሉ ተፈጥሮኣዊ ከይዲ ኢዩ” ዝበለ እቲ መግለፂ÷ ኣረጊት ዘበን ተዛዚሙ ናብ ሓዱሽ ዓመት ንሰጋገረላ ቀዳመይቲ ዕለት ወርሒ ጳጕሜን እንትነኽብር ኣብቲ ዝተዛዘመ ዓመት ዘመዝገብናዮም ዓወታት ጥንኩራት ከይዲ ለውጢታትን ዝተረኸቡ ዘዕግቡ ውፅኢታትን ብዝለዓለ ደረጃ ብምጥንኻር ዘጋጠሙና ማሕላኻታት ድማ ብግቡእ ብምግምጋምን ንምፍታሕ ቆራፅነት ብምርኣይ ኢዩ” ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ብዙሓትን ዝተሓላለኹን ፈተናታት ኣጋጢሞም፣ ሃገር ከፍርስ ዝኽእል ኲናት፣ ጎንፂታትን ልዑል ዲፕሎማሲያዊ ፅዕንቶን ከምዘጋጠመ ብምዝኽኻር÷ ይኹን እምበር ብዝተገበረ ምትሕብባር ህዝቢን ብጥበብን ቆራፅነትን ኣመራርሓ ኣንፀላሊዩ ዝነበረ ፈተና ብምፅዋር ምስጋር ከምዝተኽኣለ እቲ ኣገልግሎት ኣብ መልእኽቱ ኣዘኻኺሩ።

እናተዛዘመ ኣብ ዝርከብ ዓመት ንኢትዮጵያ ከሳግሩ ዝኽእሉ ዓበይቲ ሃገራዊ ፕሮጅታት ብብቕዓት ብምምራሕ ብልዑል ፅሬትን ቅልጣፈን ንኽዛዘሙ ከምዝተሰርሐ እውን ገሊፁ፡፡

“ብፍላይ ‘ኣብ ዝኾነ እዋን ኣይዛዘምን’ ተባሂሉ ዝፀንሐ ሓበራዊ አሰርን ተምሳሌት ሓድነትን ዝኾነ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ናብ ዘይኽበሰሉ ደረጃ በፂሑ ሓይሊ ናብ ምፍልፋል ተሰጋጊሩ ኢዩ” ኢሉ፡፡

ብልዑል ትግሃትን ፅሬትን ዝለምዑ ፕሮጀክታት ልምዓት መስሕባት ቱሪዝም ብምዝዛሞም፤ ኢትዮጵያ ዓሚቕ ሃፍቲ ዘለዋ ጥራሕ ዘይኮነጽ ክተልምዕ ትኽልን ብበፃሕቲ እትምረፅን ሃገር ናብ ምዃን ከምዝተሰጋገረት ገሊፁ፡፡

ብሓፈሻ ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓመታት ዝተጀመሩን እናተዛዘመ ኣብ ዝርከብ ዓመት ብዝተዛዘሙ ስራሕቲን ብዝተወሰዱ ታሪኽ ዝቕይሩ ስጉምቲታት ኢትዮጵያ ኣብ ኩሉ መዳይ ካብ ዝነበረቶ ዕንክሊል መሽጋር ከምዝጀመረት ኣፍሊጡ፡፡

ብምዃኑ ድማ 1 ጳጉሜን እንትነኽብር ኢትዮጵያ ንምስጋር ዝሰመሩ ዓወታት ብምግንዛብ፣ ዝተረፉ ዕዳታት ንሳገረሉ ኣንፈት ኣብ ዝሕብሩ ሓሳባት ላይ ብምርድዳእ ኢዩ ኢሉ፡፡

ዝመፅ ዓመት ዓወታትና ብዝበለፀ እነስፈሐሉን ማሐለኻታትና እንንክየሉን ዓመት ብምግባር ብልዑል ተበግሶ ክንቅበሎ ይግባእ” ክብል ሰናይ ትምኒቱ ኣመሓላሊፉ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment