ንሕንሕ ኣፅዋር ኲናት፣ ዘይፍትሓውነት፣ ክሌማዊ ለውጢ ጠመተ ዝደሊዩ ኢዮም – ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ንሕንሕ ኣፅዋር ኲናት፣ ዘይፍትሓውነት፣ ክሌማዊ ለውጢን ዘላቒ ሸቶታት ልምዓትን ጠመተ ዝደሊዩ ኢዮም ክብሉ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም።

እዚኦም ንምዕዋት ዘጋጠሙ ሕልኽላኻት ጠመተ ውሕመን ኣባል ሃገራትን ዝጠልብ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ኣብ መበል 79 ሓፈሻዊ ጉባኤ ውሕመ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ኢትዮጵያ ንሰላምን ድሕንነትን ዓለም ዘለዋ መትከል ቁርፀኝነትን ኩለ መዳይ ርክብን ኣቕቢራ እትጓዓዝ ሃገር ኢያ ኢሎም።

ኣብ ውሕመ ኣብዚ ሐዚ እዋን ብዙሓት ፈተናታት የጋጥምዎ ከምዘለዉ ብምግላፅ፥ ነቶም ፀገማት ንምፍታሕ ናብ ነባር ኩለ መዳይ ርክብ ምምላሽን ኣብ መንጎ ኣባል ሃገራት ዘሎ መንፈስ ምትሕብባር ምጥንኻርን ከምዝግባእ እውን ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ናብ ሙሉእ ትግበራ ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ምእታዋ፣ ናይ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኢኒሼቲቭ ኣብ ዝኾነ ትግበራ ሓምለዋይ ኣሰር ሽፋን ደኒ እዛ ሃገር ካብ 3 ሚኢታዊ ናብ 24 ሚኢታዊ ክብ ምባሉ ክሌማዊ ለውጢ ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ግልፂ ግደ ኣለዎ ኢሎም።

ኣብ ቀይሕ ባሕሪን ውቅያኖስ ህንዲን ዘሎ ድሕንነት ኣተኣማማኒ ንክኸውን ብምስራሕን ከም ኣልሸባብ ዝበሉ ግብረ ራዕዲታትን ፅንፈኛ ጉጅለታትን ብምቅላስ ኢትዮጵያ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ንምስራሕ ዘለዋ ቁርፀኝነት ኣረጋጊፆም።

Comments (0)
Add Comment