“ንሕና እናሃለና ኢትዮጵያ ኣይትዋረድን!” ዝብል ዓቢዪ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ኣርባዕቲኡ ኣንፈት እታ ከተማ ዘዝተኣከበ ነባሪ ግብረ ራዕዲ ህወሓትን ልኡኹ ሸኔን ብምኹናን ናብ መስቀል ኣደባባይ ተጓዒዙ።

ኣብቲ ዓቢዪ ሰላማዊ ሰልፊ ፈረሰኛታትን ካልኦት ብዝተፈላለዩ ሃገራዊን ወነ ዘለዓዕሉ ባህላዊ ሙዚቃታትን ዜማታትን ተዓጂቦም ብዙሓት መልእኽቲታት ዝገልፁ ጭርሖታት እናስምዑ ዝርከቡ እቶም ብኣማኢት ዝቑፀሩ ነበርቲ እታ ከተማ፥ ግብረ ራዕዳውያን ህወሓትን ሸኔን ንምቅላስ ድሉዋት ከምዝኾኑ ኣረጋጊፆም።

ሪፖራትና ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብዘብፅሑልና ሓበሬታ መሰረት፥ እቶም ሰልፈኛታት “ንሕና ብህይወት እናሃለና ከም ብሌን ዓይንና ንሕልዋ ሃገርና ኣይትፈርስን፣ ብድምፅና ዝመረፅናዮ መንግስቲ ብዝኾነ ይኹን ባንዳ ክትካእ ኣይኽእልን፣ መንግስትና ኢትዮጵያ ንምድሓን ዘካይዶ ወፍሪ ህልውና ንድግፍ፣ ኣብ ጎኒ ንኽብሪ ኢትዮጵያ እናተዋደቑ ዝርከቡ ጀጋኑ ክልቃለስ ኢና፣ ሰራቒ ሃገርን ብሒቕን ዝኾነ ወያነ ዳግም ክገዝአና ኣይኽእልን ዝብሉ መልእኽታት ኣጋዊሖም።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment