ንሕብረት ኣፍሪካ ዝኸውን ደገፍ 11 ነጥቢ 48 ሚሊየን ዶላር ፀዲቒ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ንሕብረት ኣፍሪካ ዝኸውን ካብ ኮሚሽን ፈንድ ልምዓት ኣፍሪካ ደገፍ 11 ነጥቢ 48 ሚሊየን ዶላር ፀዲቒ።

እቲ ሓገዝ ሕብረት ኣፍሪካ ዘለዎ ምምሕዳር ንምጥንኻርን ትካላዊ ዕብየት ነክህልዎን ንምግባር ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ዓቕሚ ኣጀንዳ 2063 ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ንምምያሽ ንዝተዳለወ ህንፀት ትካላዊ ዓቕሚ ፕሮጀክት ሕብረት ኣፍሪካ ኣስተዋፅኦ ከምዝህልዎ ተገሊፁ።

ምክትል ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ዶክተር ሞኒክ ንሳንዛባጋንዋ ምስ ፕሬዚዳንት ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ኣኪንዉሚ ኣዴሲና ብዛዕባ ቀፃሊ ኣንፈት እቲ ትካልን ከጋጥሙ ዝኽእሉ ፀገማትን ተዛቲዮም።

ሞኒክ ንሳንዛባጋንዋ፥ እቲ ደገፍ ንትልሚ ፖሊሲ፣ ምውዳድን ኣወሃህባ ኣገልግሎት ኮርፖሬትን፣ ምምሕዳር ፕሮጀክት ከምዝውዕል ምዝራቦም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Twitter (https://twitter.com/fanatelevision)

FBC (Fana Broadcasting Corporate S.C.) (@fanatelevision) | Twitter

The latest Tweets from FBC (Fana Broadcasting Corporate S.C.) (@fanatelevision). Radio Fana

Comments (0)
Add Comment