ንሕልፈት 157 ሰባት ምኽንያት ዝኾነ ሓደጋ ቦይንግ 737 ኣውሮፕላን መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እንትዝከር

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ፥ ንብረት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝኾነት ቦይንግ 737 ኣውሮፕላን ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ናይሮቢ እናተጉዓዘት እነሃለወ ብሃንደበት ተሓመሸሸት።

ቁፅሪ በረራኣ ኢት 302 ዝኾነት ኣውሮፕላን፥ 149 መገደኛታትን ሸሞንተ ሰራሕተኛታት በረራን ኣሳፊራ ካብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኑጉሆ ሰዓት 2ን 44 ደቒቓን እያ ተላዒላ ነይራ።

ድሕሪ ሽዱሽተ ደቒቓ ርክባ ዘቋረፀት እታ ኣውሮፕላን ኣብ ከባቢ ቢሾፍቱ እንትትበፅሕ ከምዝተሓምሸሸት ይዝከር።

ኣብ ውሽጢ ኣታ ኣውሮፕላን ዝነበሩ 149 መንገደኛታትን ሸሞንተ ሰራሕተኛታት በረራን፥ ብሓፈሻ ካብ 33 ሃገራት ዝተውፃእፅኡ 157 ሰባት በቲ ሓደጋ ሽዑ ንሽዑ ህይወቶም ምሕላፉ መሕዘኒ ኣጋጣሚ እቲ እዋን ነይሩ።

ኣብቲ እዋን ምፅራይ መበገሲ ናይቲ ሓደጋ ቀፂሉ ተኻየደ፣ ሳንዱቕ ሓበሬታን መቆፃፀሪ ክፍሊ በረራ መቕረፂ ድምፂን እቲ ሓደጋ ምሕምሻሽ ዘጋጠሞ ቦይንግ 737 ማክስ አውሮፕላን ንምርመራ ናብ ፈረንሳይ ተላእኸ፣ በቲ ዝተገበረ ምርመራ ድማ ምኽንያት ናይቲ ሓደጋ ፀገም ሶፍትዌር ናይታ ኣውሮፕላን ከምዝነበረ ተገሊፁ ኢዩ።

መበገሲ እቲ ሓደጋ ኣውሮፕላን እናመርመረ ዝፀንሐ ጉጅለ መፅናዕቲ ኢትዮጵያ ድማ ትማሊ ጊዚያዊ ፀብፃብ ዕላዊ ገይሩ ኣሎ።

ሚኒስቴር ትራንስፖርት ፌዴሪኢ ዕላዊ ዝገበሮ ውፂኢት ምርመራ ናይቲ ሓደጋ ከምዘርድኦ እታ ኣውሮፕላን ቅድሚ ምብራራ ኩሉ ዓይነት ምርመራታት ቅድመ በረራ ከምዝተገበረላ ዝሕብር ኢዩ።

እታ ኣውሮፕላን ቅድሚ ምብራራ ዝኾነ ዓይነት ፀገም ቴክኒክ ከምዘይብላ ምርግጋፁ እውን ኣብቲ ፀብፃብ ተገሊፁ።

ኣብ ውሽጢ ዝነበረ መጠን ፅዕነትን ቁፅሪ ሰብን ክብደትን ሚዛንን ኣታ ኣውሮፕላን ብዝፈቕዶ መገዲ ከምዝነበረ እውን ውፅኢት ናይቲ መፅናዕቲ ኣፍሊጡ ኢዩ።

ኩባንያ ቦይንግ ኣታ ኣውሮፕላን ብዝምልከት ዝሃቦ ስልጠና እኹል ከምዘይነበረ ዝሓበረ እቲ ፀብፃብ፥ ብሓፈሻ ቀንዲ መበገሲ ምኽንያት እቲ ሓደጋ ፀገም ዲዛይን እታ ኣውሮፕላን ምዃኑ ኣረጋጊፁ ኢዩ።

ኢትዮጵያ እቲ መሕዘኒ ሓደጋ ካብ ተተኣናግድ ሎሚ መዓልቲ ሙሉእ ሓደ ዓመት ዝመልኣ እንትኸውን፥ ዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት ዝኽሪ እናተካየዱ ይርከቡ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ እውን ሎሚ መዓልቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስ ቡክ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ ብሓደጋ ምሕምሻሽ ቦይንግ 737 ማክስ 8 አውሮፕላን ኣብ ኢትዮጵያ ዝኽሪ ቀዳማይ ሞት ዓመት እናተገበረሎም ንዝርከቡ ስድራ ቤታት ምፅንዕናዕ ተመኒዮም ኢዮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም፥ “ቅድሚ ሓደ ዓመት ብሓደጋ ET302 ኣውሮፕላን ክቡር ህይወት 157 ሰባት ስኢንና ኢና፤ ስድራ ቤታትን መሓዙትን ዝሰኣኑዎም ሰባት ንምዝካር ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኣከቡ ኩሎም ስድራቤታትን ፈተውቲን ፅንዓት ንኽህቦም ይምነ” ኢሎም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment