ን‘ሓደ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ ኢትዮጵያ’ ዝተመደበ በጀት ንውልቀ ረብሓ ውዒሉ- ቦርድ መረፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ 2015 ዓ.ም ን ‘ሓደ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ ኢትዮጵያ’ ብቦርድ መረፃ ዝተገለበረ ሓገዝ በጀት ንዝተሓሰበሉ ዕላማ ከምዘይወዓለን ንውልቀ ረብሓ ከምዝወዓለን ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡

“እቲ ፓርቲ እቲ ሓገዝ በጀት ንዝተሓሰበሉ ዕላማ ከምዘየውዐሎን ልዑል ገንዘብ ብኣመራርሓታት እቲ ፓርቲን ካልኦት ኣባላትን ንውልቀ ረብሓ ክውዕል ከምዝተገበረ ተገንዚበ ኣለኹ” ኢሉ ቦርድ መረፃ፡፡

ብምዃኑ ቦርድ መረፃ÷ እቲ ፓርቲን ኣመራርሑኡን ንኽእገዱ፤ ግቡእ ምርመራ ገበን ንኽጅመርን ብዘይኣግባብ ወፃኢ ዝዝኾነ ገንዘብ ብዝምልከት ናይ ፍ/ብሄር ክሲ ክምስረትን እቲ ገንዘብ ናብቲ ቦርድ ተመላሲ ንኽግበርን ውሳነ ኣመሓላሊፉ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment