ንሓሙሽተ መዓልቲታት ኣብ ውሽጢ ክባ ኣትዩ ማይን ምግቢን ተኸልኪሉ ዝነበረ ሰራዊት ምክልኻል እዚ ሰሜን ካብ ክባ ተመሊሱ የጥቅዕ ኣሎ – ጀኔራል ብርሃኑ ጁላ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብጉጅለ ጥፍኣት ህወሓት ንሓሙሽተ መዓልቲታት ኣብ ውሽጢ ክባ ኣትዩ ማይን ምግቢን ተኸልኪሉ ዝነበረ ሰራዊት ምክልኻል እዚ ሰሜን ካብ ክባ ብምውፃእ ንባዕሉ ኣዋዲዱ እናጥቀዐ ብዙሓት ከባቢታት እናተቖፃፀረ ምዃኑ ላዕለዋይ ኢታማጁር ሹም ጀኔራል ብርሃኑ ጁላ ገሊፆም።

በቲ ጉጅለ ጥፍኣት ናብ ክባ አቲዩ ዝነበረ ሰራዊት ምክልኻል እዚ ሰሜን፥ 7ይ ሜካናይዝድ፣ 8ይ ሜካናይዝድ፣ መበል 23 ክፍለ ጦር፣ መበል 11 ክፍለ ጦር፣ መበል 31 ክፍለ ጦር፣ መበል 20 ክፍለ ጦር፣ 4ይ ሜካናይዝድ፣ 5ይ ሜካናይዝድ ብሙሉኡ ከምዝኾነ ንግዜኢ ኣብሪሆም።

“እቲ ሰራዊት ንኣርባዕተን ሓሙሽተን መዓልቲታት ምግቢን ማይን ተኸልኪሉ፣ ኣብ ውሽጢ ፃምእ ማይ ኮይኑ ብፅንዓት ዝተኸላኸለ ጅግናን መርኣያ ሰራዊት ምክልኻልናን ኮይኑ ስለዝተረኸበ ብባዕለይን ብሽም ህዝቢ ኢትዮጵያን ልዑል ምስጋና የቕርበሉ” ኢሎም።

ጅግንነት እቲ ሰራዊት ንዘለኣለም ዝዝከር ገድሊ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ጄነራል፥ ሓቀኛ ሰራዊት ህዝቢ ምዃኑ ብጭቡት ዘመስከረ ኢዩ ኢሎም።

ነቲ ሰራዊት ካብ ክባ ንምውፃእ ካብ ምብራቕ፣ ካብ ደቡብን ምዕራብን ቀልጢፎም ብምምፃእ ንእዚ ሰሜን ክበፅሑሉ ንዝኸኣሉ ኣባላትን ኣመራርሓታትን ሰራዊት እውን መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፎም።

ድሕሪ ሕዚ ዝተረፈ ልኡኽቶ እቲ ሰራዊት ብመንፅር እቲ ዝተፈፀመ ተግባር እንትረአ ዝነኣሰ ከምዝኾነ ዝገለፁ ጄነራል ብርሃኑ፥ ሰራዊት ምክልኻል ነዚ ተረዲኡ ዝተረፈ ልኡኽቶ ኣብ ሓፂር እዋን ከምዝዋፃእ ዘለዎም እምነት ገሊፆም።

ሰራዊት ምክልኻል እዚ ሰሜን ካብ ክባ ብምውፃእ ንባዕሉ መሊሱ ብምውዳብ ኣብ ዝሓለፉ ክልተን ሰለስተን መዓልቲታት ካብ ዳንሻ ጀሚሩ ሑመራ ኣብ ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ትርካን ከምኡ እውን ባዕኸርን ብምቁፅፃር 5ይ ሜካናይዝድ ክፍለ ጦር ካብ ክባ ከምዘናገፉ ተዛሪቦም።

ምስቲ ካብ ክባ ዝተናገፈ 5ይ ሜካናይዝድ ብምዃን ድማ ንሑመራ ናፃ ብምውፃእ ሉግዲ፣ ማይካድራን በረኸትን ናፃ ከምዘውፀአ ኣብሪሆም።

እቲ ሰራዊት ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ሑመራ 60 ኪሎ ሜትር ናብ ወገን ሰሜን ምብራቕ ኣብ ዝበሃል ቦታ ዝርከብ ሓይ ጥፍኣት እናደምሰሰ ከምዝርከብ ዝሓበሩ እቶም ጄነራል፥ “እቲ ሰራዊት ብዝተፈፀመሉ ኢሰብኣዊ ተግባር ስለዝተናደደ ብልዑል ወነ፣ ጅግንነትን ተበግሶን ኩሉ ነገር ናብ ዝነበሮ ንምምላስ እቲ ከሓዲ ጉጅለ ናብ ሕጊ ቀሪቡ ክቕፃዕ ንምግባር እናሰርሐ ይርከብ” ኢሎም።

ንህዝቢ ትግራይን ሓይሊ ፀፅታ ትግራይን ናፃ ንምውፃእ ገስጋሱ ናብ ሽረ እናቐፀለ ከምዝርከብ እውን ገሊፆም።

ሰራዊት ምክልኻል፥ ነቲ ጁንታ ናብ ሕጊ ንምቕራብ ኣብ ዝገብሮ ምንቅስቓስ ህዝቢ ከይጉዳእ ግቡእ ጥንቃቐ እናገበረ ከምዝኾነ እውን ኣፍሊጦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment