ንልኡኽ ኣትሌቲክስ ትሕቲ 20 ዓመት ኣፍልጦን ሽልማትን ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፔሩ -ሊማ ኣብ ዝተኻየደ ትሕቲ 20 ዓመት ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ተሳቲፉ ልዑል ውፅኢት ንዘመዝገበ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣፍልጦን መበረታትዒ ሽልማት ተበርኪቱሉ፡፡

ልኡኽ ኣትሌቲክስ ትሕቲ 20 ዓመት ኢትዮጵያ ኣብ ተሳትፎኡ 6 ወርቂ፣ 2 ብሩርን 2 ነሓስን ሜዳሊያታት ብምእካብ ካብ ኣፍሪካ 1ይ ካብ ዓለም 2ይ ደረጃ ብመሓዝ ከምዝዛመ ይፍለጥ፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምሃብ ኣፍልጦን ሽልማትን ሜዳሊያ ወርቅ፣ ብሩርን ነሓስን ንዘምፅኡ ኣትሌታት ብቕደም ሰዓብ ንሕድሐዶም 40 ሺሕ፣ 25 ሺሕን 15 ሺሕን ብር ተሸሊሞም፡፡

ዲፕሎማ ንዘምፅን ንዝተሳተፉን ከከም ውፅኢቶም መበረታትዒ ሽልማት ዝተበርከተሎም እንትኸውን÷ ኣሰልጠንቲ እውን ከከምዘምፅኡዎ ውፅኢት ክሳብ 40 ሺሕ ብር ከምዝሸለሙ ሓበሬታ ሚኒስቴር ባህሊን ስፖርትን ኣመልኪቱ፡፡

Comments (0)
Add Comment