ንለበዳ ቫይረስኮሮና ብዘየቃልዕ መገዲ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ንምጅማር ዘኽእል መፅናዕቲ ተኻይዱ-ሚኒስቴር ትምህርቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ንለበዳ ሕማም ቫይረስኮሮና ብዘየቃልዕ መገዲን ብጥንቃቐን ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር  ኣብ ሓዱሽ ዓመት ንምጅማር ዘኽእል መፅናዕቲ ምክያዱ ሚኒስቴር ትምህርቲ ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣይተ ሚሊዮን ማቲዎስ፥ ምዝገባ ተምሃሮ ዓመተ 2013 ከምዝተጀመረ ገሊፆም።

ብሰንኪ ቫይረስኮሮና ኣብ ልዕሊ ፖሊቲካ፣ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ዓውዲታት ዘስዓቦ ፅዕንቶ ተምሃሮ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ርሒቖም ከምዝፀንሑ ተዛሪቦም።

ትምህርቲ ምቁራፁ ዝርገሐ እቲ ለበዳ ኣብ ምዕጋት ኣስተዋፅኦ እንተነበሮ እውን ብፍላይ ህፃናት ኣብ ገዛ ብምውዓሎም ንኣገዲድካ ምድፋርን ካብ ትምህርቲ ብምርሓቖም ንመርዓ ትሕቲ ዕድመን ኣብ ምቅላዕ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዝነበሮ ሓቢሮም።

ስለዝኾነ ኣብ ሓዱሽ ዓመት ትምህርቲ እንትኽፈት ቅድመ ስሩዕ ካብ ዘለዋ ኣብያተ ትምህርቲ እተን 14 ሚኢታዊ ካብ 20 ክሳብ 25 ተምሃሮ ጥራሕ ኣብ ሓደ ክፍሊ ክመሃሩ ኢዮም። ብተወሳኺ ኣብ ሓደ ጠሬጴዛ ቨሓደ ተምሃራይ ጥራሕ ከፍ ከምዝብል ገሊፆም።

ዝተረፉ 80 ሚኢታዊ ተምሃሮ ብፈረቓ ንክመሃሩን 6 ሚኢታዊ ዝኾኑ ተምሃሮ ድማ ቤት ትምህርቲ ብምህናፅን ኣማራፅታት ማሕበራዊ ትካላት ብምጥቃም ንምምሃር ትልሚ ተታሒዙ ኣሎ ኢሎም።

ኣብ ቀዳማይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ 24 ሚኢታዊ ወይ 20 ክሳብ 25 ተምሃሮ ኣብ ሓደ ክፍሊ ክመሃሩ፣ 56 ሚኢታዊ ብፈረቓ ከምኡ ውን 20 ሚኢታዊ ተወሳኺ መምሃሪ ክፍሊ ብምህናፅ ንክመሃሩ ከምዝተወሰነ ተዛሪቦም።

ኣብ ካልኣይ ብርኪ ድማ 19 ሚኢታዊ(20 ክሳብ 25) ተምሃሮ ኣብ ሓደ ክፍሊ ከምኡ ውን 50 ሚኢታዊ ብፈረቓ ንክመሃሩ ከምዝተወሰነ ተገሊፁ።

ዝተረፉ 31 ሚኢታዊ ድማ ተወሰኽቲ መምሃሪ ክፍሊታት ብምህናፅን ኣማራፅታት ማሕበራዊ ትካላት ብምጥቃምን ንምምሃር ትልሚ ተተሒዙ ኣሎ ተባሂሉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment