ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዋልታ ዝኾነ ሓይሊ ኣየር ንሃንፅ ኣለና-ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዋልታ ዝኾነ ንኢትዮጵያ ዝምጥን ሓይሊ ኣየር ንሃንፅ ኣለና ክብሉ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሰራተጨዊት ምክልኻል ሃገር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ገሊፆም።

ኣብ ቢሸፍቱ ኣብ ዝርከብ ክበብ ሞኪንናት ሓይሊ ኣየር መበል 88 ዓመት በዓል መስረታ እቲ ሓይሊ ኣየር ኣካል ኣብ ዝኾነ መድረኽ ፓናል መልእኽቲ መዛዘሚ ሓሳብ እቲ መድረኽ ሂቦም።

ኣብ መልእኽቶም፥ ኣብ 27 ዓመታት ምህናፅ ዘይተኽኣለ ሓይሊ ኣየር ኣብ 3 ዓመታት ምድላው ውግኡ ዝተረጋገፀ ኢትዮጵያ ዝምጥን ብምግባር ንሃንፆ ኣለና ኢሎም።

ኣፄ ሃይለስላሴ ኣብ ኣፍሪካ ኣሎ ዝበሃል ዝተወደበ ሓይሊ ኣየር ብምህናፅ መሰረት ምንባሮምን መነግስቲ ሰርዓት ደርግ ወተሃደራዊ ስለ ዝነበረ እቲ ሓይሊ ኣየር ብብርኪ ኣፍሪካ ብዘይእመን ኩነታት ምህናፁ ተዛሪቦም።

ብጎንፂ ሕድሕድን ፖለቲካዊ ፀገመን ናብ ስልጣን ዝመፅአ መንግስቲ ኢህወደግ እቲ ሓይሊ ኣየር ከምዘይነበረ ብምግባር ኣፍሪሱዎ ኢዩ ኢሎም።

ስለዝኾነ ሃገር ካብ መጥቃዕቲ ዝከላኸል ሓይሊ ኣየር ንከይህልወና ገይሩ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ዝፈረሰ ሓይሊ ኣየር መሊስካ ንምውዳብ ዝተፈተነ እኳ እንተኾነ፥ ብብርኪ መንግስቲ ቆላሕታ ስለዘይነበሮ ክበፅሖ ኣብ ዝኽእል ብርኪ ክበፅሕ ከምዘይከኣለ ገሊፆም።

ሃገራዊ ለውጢ ስዒቡ በመሰረት ዝተሰርሐ ሪፎርም ሰራዊት ብሄር ኣይብሉን ብዝብል ካብ ውግንና ፖለቲካን ብሄርተኝነትን ዝፀረየን ፍቕሪ ሃገር ዘለዎን ኢትዮጵያ ዝምጥን ሰራዊት ንሃንፅ ኣለና ኢሎም።

እዚ ዘበን ዝበፅሖ ቴክኖኖጂ መሰረት ብምግባር ፕሮፌሽናል ሰራዊት ንሃንፅ ኣለና ክብሉ አውን ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment