ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንህንፀፅ ጥንኩር ሃገረ መንግስቲ ናፃ፣ ዘይሻራዊ፣ ዘበናዊን ውግንንኡ ንሕገ መንግስቲ ዝኾንን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ወሳኒ ከምዝኾነ ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም።
ኣይተ ኣደም ፋራህ መበል 116 መዓል ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣመልኪቶም መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓሊሎፍም፡፡
ኣመልእኽቶም ድማ÷ “ጅግና ሰራዊት ምክልኻል ንኢትዮጵያ ንምፅናዕን ህዝቢ ንምሕላውን ልዕሊ ኩሉ ክባር ዝኾነት ህይወቱ ዝህብ መግለፂ ህዝባዊነት፣ ሓርበኝነትን ብሄራያዊነትን ኢዩ” ኢሎም፡፡
ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ጠጠው ምባል ንምኽባር ሉኣላዊነት ሃገርን ግዝኣታዊ ሓድነትን ዜግነታዊ ግቡእ ምውፃእ ከምኡ እውን ንኽብሪን ረብሓን ህዝቢ ጠጠው ምባል ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡
ብኣንፃሩ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ምጥቃዕ ንኢትዮጵያ ምጥቃዕን ህዝቢ ምጉዳእን ከምዝኾነ ኣገንዚቦም፡፡
ንህንፀፅ ጥንኩር ሃገረ መንግስቲ ናፃ፣ ዘይሻራዊ፣ ዘበናዊን ውግንንኡ ንሕገ መንግስቲ ዝኾንን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ወሳኒ ከምዝኾነ ምግላፆም ካብቲ ፓርቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com