ንህንፀት ግድብ ህዳሰ ልዕሊ 271 ሚሊየን ብር ሓገዝ ተኣኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ንህንፀት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝውዕል ልዕሊ 271 ሚሊየን ብር ሓገዝ ከምዝተኣከበ ቤት ፅሕፈት መተሓባበሪ ፕሮጀክት ግድብ ህዳሰ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ቤት ፅሕፈት ፈፃሚት ፐብሊክ ዲፕሎማሲን ስራሕ ርክብ ህዝቢን ኮሙኒኬሽን ሰለሞን ዳንኤል ከምዝበሉዎ፥ ኣብ በጀት ዓመት 2017 ንህንፀት ግድብ ህዳሰ 1 ነጥቢ 6 ቢሊየን ብር ሓገዝ ንምእካብ ተሃቂኑ ኣሎ፡፡

ኣብ ርብዒ ዓመት ድማ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃኢን ካብ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ብመሸጣ ቦንድ፣ ብሓፂር ናይ ፅሑፍ መልእኽቲ 8100ን ብህያብን ልዕሊ 271 ሚሊየን ብር ሓገዘ ከምዝተኣከበ ምግላፀን ግዜኢ ፀብፂቡ።

Comments (0)
Add Comment