ንህንፀት ግድብ ህዳሰ ልዕሊ 1 ነጥቢ 7 ቢሊየን ሓገዝ ከምዝተኣኻኸበ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ በጀት ዓመት 2016 ንህንፀት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ልዕሊ 1 ነጥቢ 7 ቢሊየን ሓገዝ ከምዝተኣኻኸበ ቤት ፅሕፈት መተሓባበሪ ፕሮጀክት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ እቲ ቤት ፅሕፈት ሃይሉ ኣብርሃም÷ ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ሕብረተሰብ ንህንፀት እቲ ግድብ ዝገበሮ ሓገዝ፣ ምትሕብባርን ድጋፍን ኣመልኪቶም መብርሂ ሂቦም።

ኣብ መብርሂኦም ድማ÷ ካብ መሸጣ ቦንድን ህያብን፣ ካብ ሓፂር ናይ ፅሑፍ መልእኽቲ 8100 ኤ፣ ካብ መሸጣ ፒንን ካልኦት መገዲታትን ኣታዊ ምትእኽኻ ከምዝተኽኣለ ተዛሪቦም።

በዚ ድማ ንህንፀት እቲ ግድብ 1 ቢሊየን 712 ሚሊየን ብር ሓገዝ ከምዝተኣከበ ገሊፆም።

ህንፀት እቲ ግድብ ኣብ ጫፍ ንምብፃሕ ኣብ ዝግበር ፃዕሪን ምትሕብባርን ሓገዝ ዜጋታት ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ምሕታቶም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment